ኣወሃህባ ግልጋሎት መንግስቲ ንህዝቢ ዘሐብን እምበር ዘሕዝን ክኸውን ኣይግባእን-ፕረዚደንት ደብረፅዮን ገ/ሚካኤል (ዶ.ር)
ቢሮ ልምዓት ከተማን ኮንስትራክሽንን ትግራይ ኣብ ወርሒ ሰነን ሓምለን ከፈፅሞም ንዝተለሞም ዕማማት ጠሚቱ ምስ መሓውራት ዞባን ከተማን ናይ ኣንፈት (Orientation) መውሀቢ መድረኽ የካይድ ኣሎ።
ኣብቲ መድረኽ ተረኺቦም መልእኽቲ ዘሕለፉ ፕረዚደንት መንግስቲ ትግራይ ዶክተር ደብረ ፅዮን ገብረሚካኤል፥ ዋላኳ ቍልፊ ትዅረት መንግስቲ ትግራይ ምርግጋፅ ሉኣላውነትን
ድሕነትን ህዝቢ ትግራይ እንተኾነ ኣወሃህባ ግልጋሎት ንምምሕያሽ ምርብራብ ግድን ምዃኑ ገሊፆም።
ህዝቢ ትግራይ ኣብ ሓደጋ ህልውና ምህላዉ ዝጠቐሱ እቶም ፕረዚደንት፥ ግዕዝይና ንምቁፅፃርን ኣወሃህባ ግልጋሎት መንግስቲ ንምዕራይን ዝግበር ፃዕሪ ነቲ ቀንዲ ዕማም መንግስቲ ዝድግፍ ምዃኑ ኣነፂሮም።
እቲ ሐዚ ዘሎ ኣወሃህባ ግልጋሎት መንግስቲ ህዝቢ ዝሓዝነሉ እምበር ዝሕበነሉ ከምዘይኮነ ዝገለፁ እቶም ፕረዚደንት ነዚ ንምቕያር ብሓድሽ መንፈስ፣ ሓድሽ ትልሚን ሓድሽ ምትዕርራይን ምውፋር ግድን ምዃኑ ኣረዲኦም።
ኣብ ዕፅዋን ክባን እትርከብ ትግራይ ውሽጣዊ ፀጋታታ ብግቡእ እንተተጠቒማ ዓርሰ ምርኰሳኣ ንምርግጋፅ ከቢድ ከምዘዪኸውን እውን ፕረዚደንት ደብረፅዮን ኣመላኺቶም።
ናይቲ መድረኽ ኦሬንቴሽን ተሳተፍቲ ዝኾኑ ኣመሓደርትን ኣማኸርትን ዞባ፣ከንቲባታት፣ኣካየድቲ ስራሕ ኣብያተ ማዘጋጃን ካልኦት ዝምልከቶም ሓለፍቲ ኣብያተ ዕዮን ኣብቲ ዝተዳለወ ትልሚ ብምትኳር እናዘተዩ እዮም።