ኣብዚ ክረምቲ 1 ነጥቢ 5 ሚልዮን ፈልሲ ንምትካል መደብ ተታሒዙ፦ ቢሮ ል/ከተማን ኮንስትራክሽንን
ኣብዚ ክረምቲ ኣብ 103 ከተማታት ትግራይ ኣስታት 1 ነጥቢ 5 ሚልዮን ፈልሲ ንምትካል መደብ ከም ዝሓዘ ዳይሮክቶሬት ሓምለዋይ ልምዓትን ፅባቐን ከተማታት ትግራይ እቲ ቢሮ ኣይተ ኣዳነ ገብረፃድቕ ገሊፆም።
እቲ ቢሮ፥ “ህፁፅን ውፅኢታዊን መደባት 60 መዓልቲታት” ኢሉ ካብ ዝሓዞም ጕዳያት፥ ኣብዚ ክረምቲ ኣብ ዝተፈላለዩ ህዝባዊን መንበሪ ገዛውቲን ከባቢታት ዝተፈላለዩ ተኽልታት ምትካል ከም ዝኾነ እቶም ዳይሬክተር ሓቢሮም።
እቶም ዝትከሉ ፈልሲታት ሓምለዋይ ልምዓት ብምፍጣር ኣብ ምንካይ ከባያዊ ብኽለትን ምውሳኽ ፅባቐ ከተማታትን ለውጢ ከም ዘምፅኡ ብምሕባር፥ ልዕሊ 50 ምኢታዊ ቁጠባዊ ረብሓ ዘለዎም ከም ዝኾኑ ኣይተ ገብረፃድቕ ኣረዲኦም።
ኣብዚ ክረምቲ ዝካየድ ወፍሪ፥ ዝትከሉ ተኽሊታት ዕዉት ብዝኾነ መንገዲ ክፀድቁ ዘኽእል፥ መላእ ሕብረተሰብ ዝሳተፈሉ ወፍሪ ንክኸውን በቢብርኩ ምስ ዘለዉ መሓውራት ብምርድዳእ ቅድመ ምድላዋት ከም ዝተወገኑ ድማ ገሊፆም።
ፅሩይ ከተማ ንምፍጣር፥ በቢወርሑ ከንቲባታት ዝመርሑዎ መላእ ሕብረተሰብ ከተማታት ዝሳተፈሉ ወፍሪ ፅርየት ከተማታት ከም ዝካየድ እውን እቶም ዳይሬክተር ሓቢሮም።