ኣብ ዓውዲ ኮንስትራክሽን ዝረአ ግዕዝይናን ምጭብርባርን፥ ኣብ ልዕሊ ዓዲ ንምቕናዕ መስዋእቲ ዝኸፈለ ህዝቢ ዝፍፀም ገበን ብምዃኑ ብክሕደት ዘሕትት እዩ- ኣይተ ኣለም ገብረዋህድ
ቢሮ ልምዓት ከተማን ኮንስራክሽንን ምስ ኣብ ዓውዲ ኮንስትራክሽን ዝነጥፉ ኮንትራክተራትን ኣማኸርቲ ህንፃን ዘትዩ።
ኣብ’ቲ መድረኽ፥ ሓላፊ እቲ ቢሮ ኣይተ ኣለም ገብረዋህድ፥ ኣብ እዋናዊ ኩነታት ህልውና፣ ፀገማት ከይዲ ምኽታም ከተማታት ትግራይን ብድሆታት ዓውዲ ኮንስትራክሽንን ዝድህስስ መበገሲ ሓሳብ ኣቕሪቦም።
ትግራይ ብሰንኪ ዕላማ ጥፍኣት ዝሓዙ ግዳማውያን ሓይልታትን ተቓላዓይነት ዘስፍሑ ዘቤታዊ ፀገማትን ኣብ ሓደጋ ህልውና ከም’ትርከብ ኣይተ ኣለም ኣረዲኦም።
ኣብ ዓውዲ ኮንስትራክሽን ዝረአ ተግባር ግዕዝይናን ድኹም ምሕደራ መንግስትን ውሽጣዊ ተቓላዕነት ትግራይ ብምስፋሕ ነቲ ሓደጋ ህልውና የጋድድ ምህላዉ ድማ ጠቒሶም።
ኣብ ከይዲ ፅንተት ትግራይ፥ ዓውዲ ኮንስትራክሽን ሰፍ ዘዪብል ዕንወት ከምዝበፅሖ ዘዘኻኸሩ ኣይተ ኣለም፥ ኣብ’ዚ እዋን ድማ ብሕፅረት ፍልጠት፣ ክእለት፣ ኣጠቓቕማ ቴክኖሎጂን ዝተዋደደ ትካላዊ ኣሰራርሓን እናተሃሰየ ዝርከብ ዓውዲ ምዃኑ ኣብሪሆም።
እቲ ዓውዲ በቶም ዝተጠቐሱ ፍፃመታትን ጉድለታትን ምኽንያት ዝተሃሰዮ ከዪኣክል ብተግባራት ግዕዝይና ዝተተብተበ፣ ድኹም መጠን መፍረያይነት ዘለዎ፣ ትሑት ፅሬት ዝወነኑ ህንፀታት ዝርአየሉን ሰሌጤን ዘይብሉ ስራሕ ብዘይፍትሓዊ ዋጋ ዝስርሐሉን ምዃኑ እውን ኣፍሊጦም።
“ኣብ ዓውዲ ኮንስትራክሽን ግዕዝይና ዝፍፀም ካብ ተቐባሊ ብተወሳኺ ወሃቢ እውን ስለዘሎ እዩ’’ ዝበሉ ኣይተ ኣለም፥ ኣብዚ ተግባር ኢዱ ዘእቱ ኮንትራክተርን ኮንሰልታንትን ብቅልጡፍ ኢዱ ንክእክብ ኣተሓሳሲቦም።
ኣብቲ ዓውዲ ዝረአ ግዕዝይናን ምጭብርባርን ምስ ኣብ መንግስታዊ መሓውር ዘለዉ ኣካላት ብዝግበር ምትእስሳር ዝፍፀም ምዃኑ ዘብርሁ ኣይተ ኣለም፥ “ኣብ ልዕሊ ዓዲ ንምቕናዕ መስዋእቲ ዝኸፈለ ህዝቢ ዝፍፀም ብምዃኑ ድማ ብክሕደት እውን ዘሕትት ገበን እዩ’’ ኢሎም።
እቲ ፀገም፥ መንግስቲ ስሉጥ ምትእኽኻብ ሃፍቲ ንከዪገብር ዝዕንቅፍን ንጐሓላሉ ድማ ብቅፅበት ቢልየነራት ዝገብርን ብምዃኑ ተወዲብካ ብምቅላስ ክፍታሕ ከምዝግበኦ ድማ ኣረዲኦም።
ጉዳይ ንምፍፃም ክበሃል ኣብቲ ናይ ግዕዝይና ተግባር ምስታፍ ብስፍሓት ከምዝረአ ዝኣመኑ ተሳተፍቲ እቲ መድረኽ ብወገኖም፥ መንግስታዊ ኣወሃህባ ግልጋሎት ንግዕዝይና ብዘዪጥዕም መንገዲ ንክዝምንን ኣብ ወሃብትን ተቐበልትን ጉቦ ትኹረት ብምግባር ተሓታትነት ንክረጋገፅን ተላብዮም።
ቢሮ ልምዓት ከተማን ኮንስራክሽንን ጀሚሩዎ ዘሎ ቆራፅነት ኣበርቲዑ ንንክቕለሉ ዝፀውዑ እቶም ተሳተፍቲ፥ ህዝቢ ትግራይ ውሽጣዊ ፀገማቱ ንክፍትሑን ኣተኩሮኡ ሒዙዎ ናብ ዘሎ መኸተ ጥራይ ንክገብርን ዘኽእል ኣበርክቶ ከምዝገብሩ እውን ኣረጋጊፆም።
መንግስቲ ኣብዚ ዓውዲ ዝፍፀሙ ገበናት ንምክልኻልን ግልጋሎታት ንምዝማንን ዘኽእሎ ዲጂታላዊ ኣወሃህባ ግልጋሎት ከምዘተኣታቱን ተሓታትነት ንምርግጋፅ ከምዝሰርሕን ድማ ሓላፊ ቢሮ ልምዓት ከተማን ኮንስትራክሽንን ኣይተ ኣለም ገብረዋህድ ኣረጋጊፆም።
እቲ መድረኽ፥ “ግዕዝይና ብምቅላስ፥ ስሉጥ፣ ፍትሓውን ሕጋውን ግልጋሎት ንህዝብና ነረጋግፅ’’ ብዝብል መራሒ ጭርሖ እዩ ተሳሊጡ።