ዳይሬክቶሬት ክትትልን ገምጋምን ፕላን ከተማ
ተግባርን ሓላፍነትን ዳይሬክቶሬት ክትትልን ገምጋምን ፕላን ከተማ
ማዕቀፋት ሕጊ ምድላውን ትግበራን ፕላን ከተማ ብምድላው/ምምሕያሽ ብዝምልከቶ ኣካል ክፀድቕ ምግባር፣ ምስ ፀደቐ ተግባራዊ ክኸውን ናብ ታሕታዋይ መሓውር ክባፃሕን ግንዛበ ክዓብይን ምግባርንተግባራዊነቶም ምክትታልን፤
ዳህሳስ ድልየት ስልጠና/Need assessment/ ብምክያድ ኣብ ምድላውን ትግበራን ፕላን ከተማ ዘተኮሩ ዓቕምን ግንዛበን መዕበዪ ስልጠናታት ኣመራርሓን ሰብሞያን ከተማታት ምሃብ ወይ ክወሃብ ምግባር፤
ንከተማታት ብዓርሰ ሓይልን ኣማኸርቲ ትካላትን ዝዳለው ፕላን ካብ ጨረታኡ ጀሚሩ እስካብ ብቤት ምኽሪ ምፅዳቕ ዘሎ ከይዲ ብስታንዳርድታትን ማንዋላትን ፕላን ከተማን ከምኡውን ብዝተኣሰረ ውዕሊ መሰረት እናተሰርሐ ምዃኑ ክትትልን ገምጋምን ምክያድ፣ ግብረ መልሲ ብፅሑፍ ምሃብ፣ ብዝድለ ፅሬትን ሰለጤንን ዘይስርሑ ፕላናት ክቋረፁ ወይ ክእገዱ ምግባርን ተግባራዊነቱ ምክትታልን፤
ናይ ከተማ ፕላን ብኣግባቡ ዝተተግበሩ ምዃኖም ምክትታል፣ ምግምጋም፣ ግብረ መልሲ ውፅኢት ክትትልን ገምግምን ምሃብን ተግባራዊነቶም ምክትታልን፤
ብጋይድ ላይን ኦዲት ፕላን መሰረት ንከተማታት ኦዲት ምክያድ፣ ግብረ መልሲ ውፅኢት ኦዲት ፕላን ምስዳድ፣ ተግባራዊነቶም ምክትታል፤
ብክትትልን ገምጋምን ፕላን ከተማ ጥሕሰት ፕላን ከተማ ዝፈፀመ ወይ ክጠሓስ ዝገበረ ኣካል ተኸታቲልካ ምስ ዝመልከቶ ኣካል ሕጋዊ ስጉምቲ ክውሰድ ምግባር፣
ብክትትልን ገምጋምን ፕላን እዋኖም ዝሓለፎምን መሬቶምን ዝወድኣ ከተማታት ቅደም ሰዓብ ብምትሓዝ ብዳይሬክቶሬት ክዳለወለን መረዳእታ ምሃብን ተግባራዊነቱ ምክትታልን፤
በብ እዋኑ መፅናዕቲ እዋናዊ ነፃላ ዋጋ ዕዳጋ ምምኻር ግልጋሎት ፕላን ከተማ ብምክያድ ንዳይሬክቶሬትን ከተማታትን ካልኦት ዝምልከቶም ኣካላትን መረዳእታ ምሃብ፣ ተግባራዊነቱ ምክትታትል፤
ኣብ ምድላው ይኹን ትግበራ ፕላን ከተማ ኣመልኪቱ ካብ ዝተፈላለዩ ኣካላት (ውልቀሰብ፣ ሕብረተሰብ፣ መንግስታውን ዘይመንግስታውን ትካላት፣ ማሕበራት) ዝቐርብ ጥቆማ ወይ ጥርዓን ኣግባብነቱ ምርግጋፅ፣ ናይ ምፅራይ ስራሕቲ ምክያድ፣ መልሲ ምሃብን ተግባራዊነቱ ምክትታትልን።