ክፍሊ ሓደ
1.1 ስትራተጅክ ዛዕባታት፡
1.1.1 ራእይ /vision/
ኣብ 2037 ከተማታትና ንነበርተንን ኢንቨስትመንትን ምችዋት፣ ዝማዕበለ ኮንስትራክሽን ኢንዱስትሪ ተረጋጊፁ ምርኣይ እዩ።
1.1.2 ልኡኽ /Mission/
ኣብ ትግራይ ደረጅኡ ዝሓለወ ግልጋሎት፣ መሰረተ ልምዓትን ኣባይትን ብምቕራብ፣ ተወዳዳራይ ኮንስትራክሽን ኢንዱስትሪ ብምፍጣር፣ ሰናይ ምሕደራ ብምንጋስን ምዕሩይን ዘላቒ ከይዲ ምኽታምን ብምርግጋፅን ከተማታት ንነበርተንን ኢንቨስትመንትን ምችዋት ብምግባር ከተማታትን ኮንስትራክሽን ኢንዱስትርን ኣብ ዝመፅእ መዋቕራዊ ለውጢ (Structural Transformation) መሪሕ ተረኦም ክፃወቱ ምግባር።
1.1.2.1 ሓበራዊ ክብርታት /core values
ንድኽነትን ክራይ ኣካብነትን ንፅየፍ፣
ህዝባውነትን ውፍይነትን ንላበስ፣
እናሰራሕና ንመሃር እናተምሃርና ንሰርሕ፣
ንተሳትፎ ሕብረተሰብ ዝለዓለ ክብሪ ንህብ ፣
ትካላዊ ዴሞክራሲያዊ ስርዓትና ነጠናኽር፣
1.1.3 ዝተጠቓለለ ድምር ውፅኢት/general expected outcome/
ድኽነት ዝተቐነሰለን ንነበርተን ምችዋት ከተማታት ምፍጣር ፣