ዳይሬክቶሬት ዝተዋደደ መሰረተ ልምዓት
• ኣብ ምድላውን ምምሕያሽን (ኣዋጅን ደንብን፣ ኣወዳድባ፣ ፖሊስን ስትራተጅን፣ መምረሕን ማንዋላትን) ቤት ዕዮ ይድግፍ፣
• ኣብ ዝተዋደደ መሰረተ ልምዓት ኣመልኪቱ ዝወፅእ መፈፀሚ መምርሕን መዐቀንን የተግብር፣
• ኣብ ከተማታት ንዝህነፁን ንዝፅገኑን ዝተዋደደ መሰረተ ልምዓት ብመሰረት ዝተዳለወሎም ዲዛይንን ስፔስፊኬሽንን ዝህነፁ ምህላዎም ይቖፃፀር፣
• ብገበርቲ ሰናይን ብተሳትፎ ሕ/ሰብን ኣብ ዝስረሑ ዝተዋደደ መሰረተ ልምዓታት ሓገዝ ቴክኒክ ድጋፍ ይህብ፣
• ኣብ ስራሕቲ ዝተዋደደ መሰረተ ልምዓት ከተማታትን ክ/ከተማታትን ይድግፍ፣
• ኣብ ፅንዓትን ዕደጋን ኮንስትራክሽን ማትርያል ይድግፍ፣
• ኣፈፃፅማ ስራሕቲ ዳይሬክቶሬትን ከ/ስራሕቲ ከተማታትን ይከታተል ይግምገም፣
• ካብ ከተማታትን ጉጅለታትን ዝቐርብ ፀብፃብ ኣፈፃፅማ ስራሕ ወይ ሪፖርት ይቕበል፣ይግምግም ናብ ዝምልከቶ ድማ ጠሚሩ የቕርብ፣
• ካብ ተገልገልቲ፣ ማሓውር፣ መዳርግቲ ኣካላትን ጉጅለታትን ዝቕርብ ሕቶ ይቕበል ግቡእ ምላሽ ድማ ይህብ፣
• በቢእዋኑ ዝርከቡ ምህዞታት፣ ተሞክሮታትን ልምድታትን የጋፍሕ፣
• ኣብ ዳይሬክቶሬትን ከይዲ ስራሕትን ዝረኣዩ ጉድለታት ዓቕሚ ብምፍታሽ ስልጠና ክረኽቡ ይገብር፣
• ኣብ ስራሕቲ ዝተዋደደ መሰረተ ልምዓት ከተማታት መፅናዕቲ፣ ዲዛይን፣ ዕደጋን ውዕልን ይድግፍ፣ ይቖፃፀርን ይግምግምን፡፡