ዳይሬክቶሬት ዝተዋደደ መሰረተ ልምዓት ከተማታት
ተግባርን ሓላፍነትን ዳይሬክቶሬት ዝተዋደደ መሰረተ ልምዓት
ኣብ ምድላውን ምምሕያሽን (ኣዋጅን ደንብን፣ ኣወዳድባ፣ ፖሊስን ስትራተጅን፣ መምረሕን ማንዋላትን) ቤት ዕዮ ይድግፍ፣
ኣብ ዝተዋደደ መሰረተ ልምዓት ኣመልኪቱ ዝወፅእ መፈፀሚ መምርሕን መዐቀንን የተግብር፣
ኣብ ከተማታት ንዝህነፁን ንዝፅገኑን ዝተዋደደ መሰረተ ልምዓት ብመሰረት ዝተዳለወሎም ዲዛይንን ስፔስፊኬሽንን ዝህነፁ ምህላዎም ይቖፃፀር፣
ብገበርቲ ሰናይን ብተሳትፎ ሕ/ሰብን ኣብ ዝስረሑ ዝተዋደደ መሰረተ ልምዓታት ሓገዝ ቴክኒክ ድጋፍ ይህብ፣
ኣብ ስራሕቲ ዝተዋደደ መሰረተ ልምዓት ከተማታትን ክ/ከተማታትን ይድግፍ፣
ኣብ ፅንዓትን ዕደጋን ኮንስትራክሽን ማትርያል ይድግፍ፣
ኣፈፃፅማ ስራሕቲ ዳይሬክቶሬትን ከ/ስራሕቲ ከተማታትን ይከታተል ይግምገም፣
ካብ ከተማታትን ጉጅለታትን ዝቐርብ ፀብፃብ ኣፈፃፅማ ስራሕ ወይ ሪፖርት ይቕበል፣ይግምግም ናብ ዝምልከቶ ድማ ጠሚሩ የቕርብ፣
ካብ ተገልገልቲ፣ ማሓውር፣ መዳርግቲ ኣካላትን ጉጅለታትን ዝቕርብ ሕቶ ይቕበል ግቡእ ምላሽ ድማ ይህብ፣
በቢእዋኑ ዝርከቡ ምህዞታት፣ ተሞክሮታትን ልምድታትን የጋፍሕ፣
ኣብ ዳይሬክቶሬትን ከይዲ ስራሕትን ዝረኣዩ ጉድለታት ዓቕሚ ብምፍታሽ ስልጠና ክረኽቡ ይገብር፣
ኣብ ስራሕቲ ዝተዋደደ መሰረተ ልምዓት ከተማታት መፅናዕቲ፣ ዲዛይን፣ ዕደጋን ውዕልን ይድግፍ፣ ይቖፃፀርን ይግምግምን፡፡