ተገልገልቲ ቤት መዘጋጃ፣ኣግልግሎት ኣብ ውሽጢ ቤት መዘጋጃን ፅባሕ ተመለስ ብዘይብሉን ጉዳዮም ኣብ ግቡእ ሰዓቶም ክውድኡ ኣጥቢቕና ክንሰርሕ ኢና – ኣይተ ኣለም ገብረዋህድ

ተገልገልቲ ቤት መዘጋጃ፣ኣግልግሎት ኣብ ውሽጢ ቤት መዘጋጃን ፅባሕ ተመለስ ብዘይብሉን ጉዳዮም ኣብ ግቡእ ሰዓቶም ክውድኡ ኣጥቢቕና ክንሰርሕ ኢና – ኣይተ ኣለም ገብረዋህድ
ቢሮ ልምዓት ከተማን ኮንስትራክሽንን «ግዕዝይና ብምቅላስ ስሉጥ፣ ሕጋዉን ፍትሓዉን ኣገልግሎትን ህዝብና ነረጋግፅ!» ብዝብል መሪሕ ጭርሖ መድረኽ ዘተ ኣሳሊጡ።
ነቲ መድረኸ ዝመርሑ ሓላፊ ቢሮ ልምዓት ከተማን ኮንስትራክሽንን ትግራይ ኣይተ ኣለም ገብረዋህድ ትግራይ ካብተን ቅልጡፍ ዕብየት ከተማነት ዘለወን ከተማታት ዝሓዛ ዓድታት ምብራቕ ኣፍሪካ ሓንቲ ከምዝኾነትን ፣እዚ ንምቕፃል ድማ ራእይ ዘለዎ መራሒ ምፍጣር ኣገዳሲ እዩ ኢሎም።
ኮይኑ ግን፣ከተማታት ትግራይ ብፕላንን ዝተዋደደ መፅናዕትን ይምርሓ ከምዘየለዋ ሓቢሮም።
ንዝተፈላለዩ መሰረተ ልምዓትን መዘናግዕታትን ተባሂሎም ዝተቐመጡ ቦታታት ብጉቦን ዘይሕጋዊ ኣሰራርሓን ይሽየጡን ይህነፁን ከምዘለው ተዛሪቦም።
ጉዳይ መሬት ፍልፍል ቅልውላው ፖሊቲካዊ፣ ቁጠባዊን ሰናይ ምምሕዳርን ከምዝኾነን ፣ፅፉፍን ጥቡቕን መሪሕነት ረኺቡ ተሓታትነት እውን ዘስዕብ እዩ ኢሎም።
ብፍላይ ንሓምለዋይ ልምዓት ተባሂሎም ዝተኸለሉ ቦታታት ዳርጋ ኣብ ኩለን ከተማታት ትግራይ ንውልቀ ሰባት ብዘይሕጋዊ መንገዲ ከምዝተሸንሸኑ ገሊፆም።
ከተማታት ትግራይ ብደረቕን ፈሳስን ጎሓፋት ተበላሽየን ከም መጠራቐሚ ኮይነን ዝረኣየሉ ኩነታት ከምዘሎ እውን ሓቢሮም።
ከቢድ ሓደጋ ኢሎም ዝገለፅዎ ኣብ ቤት መዘጋጃ ዘሎ ኣገልግሎት፣ ግልጋሎት ኢልካ ንምዝራብ ኣፀያፊ እዩ ዝበሉ ኣይተ ኣለም፤ እቲ ግልጋሎት ብግበረለይ ክገብረልካ ዝጋዕዘየ ከምዝኾነ ገሊፆም።
በቢ ከተሙኡን ኣብያተ ዕዩኡን ዘለው ፀገማትን ሕመቓትን ሕቶ ዝህልዎም ኣንፈት መፍትሕታትን ብተሳተፍቲ እቲ መድረኽ ዝተልዓለሎም ኣይተ ኣለም፡ ኩሎም ፀገማት ምስ ህዝቢ ኮይንካ ከምዝፍትሑ ተዛሪቦም።
ነዚ ሕመቕን ክፍተትን ንምዕፃው ቤት ምኽሪ ከተማታት ትግራይ ኣብ ምፅዳቕ ሓዱሽ ፕላንን ክትትል ተፈፃምነቱን ኣበርቲዖም ክሰርሑሉ ድማ ፀዊዖም።
መሰረተ ልምዓታት እንትስርሑ ምዝዛሙ ጥራሕ ዘይኮነስ ካብ ግዕዝይና ዝነፅሀን ፅሬቱ ዝሓለወን ምዃኑ ዘረጋግፅ ውዳበ ከምዘሎ ዝገለፁ ኣይተ ኣለም ገብረዋህድ፣እዚ ውዳበ ናብ ስርሑ ኣትዩ ክቆፃፀር ክስራሕ እዩ ኢሎም።
ተገልገልቲ ቤት መዘጋጃ ፅባሕ ተመለስ ብዘይብሉ ኣብ ዝተወሰነ ደቓይቕ ጉዳዩ ክውደአሉ ኣጥቢቕና ክንሰርሕ ኢና ክብሉ ገሊፆም።
ሙሉእ ዓቕምታትና ከይንእክብ ሓኒቑ ሒዙና ዘሎ ግዕዝይና ኣወጊድና ንህዝብና ስሉጥ፣ ፍትሓዊ ሕጋውን ግልጋሎት ክነረጋግፅ ኢና ኢሎም።
እዚ ሐዚ ዝበሃል ዘሎ ክትግበር ድዩ ኢሉ ዝጠራጠር ኣካል ክህልው ኣይግባእን ዝበሉ ኣይተ ኣለም፣ ህዝቢ እውን በዓል ዋና ኮይኑ ዘለው ፀገማት ኣብ ምጥቋምን ኣብ ምቅላስን ክሕግዝን ከም መሪሕነት ድማ ቆሪፁ ናብ ተግባር ከምዝወርድ ገሊፆም።
ነዚ ዝወፅእ ዘሎ ኣንፈትን መምርሕን ተግባራውነቱ ዝከታተል ጉጅለ ክትትል ተጠናይሹ ናብ ስራሕ ከምዝኣቱ እውን ኣብሪሆም።

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *