Directorate of Construction Control

ዳይሬክቶሬት ቑፅፅር ህንፀት ስራሕቲ

 

ተግባርን ሓላፍነት ዳይሬክቶሬት ቑፅፅር ህንፀት ስራሕቲ፣

  • ኣብ ዝዳለውን ዝወፁን ናይ ኮንስትራክሽን ፖሊሲ ክትትልን ደገፍን ይገብር፣
  • ናይ ኮንስትራክሽን ኣዋጃት፣ ደንቢታት፣ መምርሒታት፣ ኮዳት፣ መዐቀኒታት የዳልው፣ ክዳለው ይገብር እንትፀድቕ ተግባራዊነቶም ይከታተል፣
  • ሰልጠናታት ይህብ ክወሃብ ይገብር፣
  • መምርሒተኸቲሎም ዝዳለው ዲዛይናትን፣ ዝርዝር ስራሕ፣ ዝዳለው ግምት ምህንድሰና ቑፅፅርን ኦዲትን ይገብር፣
  • ኣብ ዝተካየዱ ጨረታታት ቑፅፅርን ኦዲትን ይገብር፣
  • ብውዕሊ መሰረት ህንፃታትን መንገድን መሰረተ ልምዓትን ይህነፁ ምህላዎም ቑፅፅር ኦዲት ይገብር፣
  • ኣብ ዝዳለው ነፀላ ዋጋ ቑፅፅርን ኦዲትን ይገብር፣
  • ኣብ ዝወሃቦ ብቕዓት መረጋገፂ ምስኽር ወረቐት ስራሕ ተዃናተርቲ፣ ኣማኸርቲ ትካላት፣ ሰብ ሞያ፣ ናይ ሓመድ ምርመራ ትካላትን መሸነሪ መካረይቲ ትካላት ቑፅፅርን ኦዲትን ይገብር፣
  • ሓድሽ፣ ዕብየትን ሕድሳትን ብቕዓት መረጋገፂ ምስኽር ወረቐት ስራሕ ተዃናተርቲ፣ ኣማኸርቲ ትካላት፣ ሰብ ሞያ፣ ናይ ሓመድ ምርመራ ትካላትን መሸነሪ መካረይቲ ትካላትን ይህብ፣
  • ግብኦም ንዘይተዋፅኡ ስራሕ ተዃናተርቲ፣ ኣማኸርቲ ትካላት፣ ሰብ ሞያን፣ ናይ ሓመድ ምርመራ ትካላትን መሸነሪ መካረይቲ ትካላትን ዝተውሃቦም ብቕዓት መረጋገፂ ምስኽር ወረቐት ክሳብ ምዝራዝ(ምእጋድ) ዝበፅሕ ቕፅዓት ክዋሃቦም ይገብር፣
  • ሓደሽቲ ናይ ኮንስትራክሽን ቴክኖሎጂታት የተኣታትው መፅናዕትን ምርምርን የካይድ ክካየድ ይገብር ፣
  • ሓዱሽ ንዝህነፁ ናይ ኮንስትራክሽን ስራሕቲ፣ ናይ ፅገናን ሕድሳት ስራሕቲ፣ ናይ ዝተሃነፁ ናይ ኮንስትራክሽን ስራሕቲ መፍረሲ፣ ናይ ኣማኸርቲ ትካላትን ናይ መሽነሪ ክራይ ዋጋን ፅንዓት ነፀላ ዋጋ በቢ ሰለሰተ ወርሒን ብቢግዚኡ ንዝመፁ ስራሕቲ እናዳለወ ንተጠቀምቲ መንግሰታዊ ቤት ዕዮታት ይህብ፣
  • ናይ ኮንስትራክሽ ኢንዳስትሪ ማተሪያላት፣ ናይ ከባቢ ማተሪያል፣ ናይ ጉልበት ዋጋ፣ ኖርምታት፣ ናይ ማተሪያል ብክነት፣ ናይ መባዝሒ ቑፅሪ ግልጋሎት፣ ናይ መፅዐንን መራጋፍን፣ ናይ መጓዓዓዚ ፅንዓት ዋጋ ዕዳጋ የኻይድ ይትንትን ክፅናዕ ይገብር፣
  • ህንፃ ሹም፣ ቑፅፅርን ህንፀትን ግምት ህንፃ፣ ስራሕ ምሃብ ፍቓድን ህንፃን ዲዛይንን መሓውር ዘይብለን ከተማታት መፅናዕቲ ብምኽያድ መሓውር ንክጣየሸል ክትትልን ደገፍን ይገብር፣
  • ንህንፃ ሹምን፣ ንቑፅፅርን ህንፀትን ግምት ህንፃን፣ ንስራሕ ምሃብ ፍቓድን ህንፃን ዲዛይንን ክትትልን ደገፍን ይገብር ፣
  • ብዝተፈላለየ ዓይነት ኣብ ዘፈር ኮንስትራክሽን ብማሕበር ዝተወደቡን ንዝውደቡን ስራሕ ተዃናተርቲ፣ ኣማከርቲ ትካላት፣ ሰብ ሞያ ምህንድሰና፣ ንመሽነሪ መካረይቲ ትካላት፣ ንሓመድ ምርመራ ትካላት ደገፍን ክትትልን ይገብር፣
  • ናይ ስራሕ ተዃናተርቲ፣ ኣማኸርቲ ትካላት፣ ናይ ሓመድ ምርመራ ትካላትን መሸነሪ መካረይቲ ትካላትን በቲ ዝወሰድዎ ብቕዓት መረጋገፂ ምስክር ወረቐት መሰረት ገይሮ ግልጋሎት ይህቡ ምህላዎም ናይ ስራሕ ኣፈፃፅማ መረዳእታ፣
  • ኣብ ኮንስትራክሽን ኢንዳስትሪ ስራሕቲ ዝዋፈሩ ናይ ማእኸለዎትን ታሕተዎትን ሰብ ሞያ ናይ ምዘና (ሲኦሲ) ብቕዓት ንከረጋገፁ ናይ ምትሕብባር ስራሕቲ ይሰርሕ፣
  • ማእኸለዎትን ታሕተዎትን ሰብ ሞያ ኮንስትራክሽን ዝምዘንሉ መመዘኒ ማእኸል መሪፁ የዳሊ፣
  • ብቕዓት ምዝና(ሲኦሲ) ዘረጋገፁ ሰብሞያ ኣብ ኮንስትራክሽን ኢንድስትሪ ንክሳተፉ የተሓባብር ደገፍን ክትትልን ይገብር ፣
  • ናይ ሲኦሲ መሪሕ መዘንቲ ዝኾነኡ ሰብ ሞያ ኮንስትራክሽን ይምልምል፣
  • ብቕዓቶም ንዘረጋግፁ (ሲኦሲ) ታሕተዎትን ማእኸለዎትን ሰብ ሞያ ኮንስትራክሽን ሰልጠና ንክወስድ የተሓባብር ደገፍን ክትትልን ይገብር፣
  • ናይ ሕድሕድ ስራሕ ተኳናተርትን ኣማኸርቲ ትካላትን ኣፈፃፅማ ስረሖም ይምርምርን ይሕዝን፣
  • ዘይምርድዳእ ይፈትሕ መፍትሒ ሓሳብ የቕርብ፣
  • ብቢሮ ዝወሃቦ ስራሕ ይሰርሕ።