ዳይሬክቶሬት ኩንትራት ምምሕዳር

 ዳይሬክቶሬት ኩንትራት ምምሕዳር
ተግባርን ሓላፍነትን ዳይሬክቶሬት ኩንትራት ምሕደራ
 ናይ ህንፃ ውዕሊ ፕሮጀክትታት ህንፀት የመሓድር፤ ይከታተል ኣድላዪ እንተኸይኑ ስጉምቲ ይወስድ፣
 ናይ ዝህነፁ ህንፃታት ሰነዳት ውዕልን ዲዛይንን ኣረጋጊፁ ይርከብ፣
 ምስ ተኾናተርቲ ናይ ሳይት ርኽክብ ይህብ፣
 ምስ ኣማኻሪ ማሃንድስ፤ ተኾናተርቲ ስራሕ ኣብ ዝካየድ ናይ ምፍላጥ መድረኽ ይሳተፍ።
 ንዝስርሑ ፕሮጀክትታት ዝካታተል ኣድላዪ እንተኾይኑ ብዓል ሞያ ይምድብ፣
 ናይ ውዕሊ መኸበሪ ተቐቢሉ ብመምርሒ መሰረት ይፍፅም፣
 ናይ ዝተሰርሑ ስራሕቲ ክፍሊት ይፍፅም፣
 ሪቴንሽን ይለቅቕ፣
 ተወሳኺ ውዕሊ እንትመፅእ ንዝምልከቶ የፍልጥ፡፣
 ኣድላይ ኮይኑ እንትርከብ ውዕሊ ብመምርሒ ስርዓት ዕደጋ መሰረት ውዕሊ የቋርፅ፣
 ናይ ቅድመ ክፍሊት ሕቶ ተቐቢሉ ብመምርሒ መሰረት ይፍፅም፣
 ኣፈፃፅማ ስራሕ ተኾናተርትን፤ ኣማኸርትን መሃንድሳት ብዋጋ፤ ፅሬትን ግዜን ኣንፃር ይግምግም ናይ መፍትሒ ኣንፈት የቐምጥ፣
 ፕሮጀክትታት ብውዕሊ መሰረት ንከይፍፀሙ መበገሲ ዝኾኑ ምኽንያታት ብምግምጋም መፍትሒ ሐሳብ ይህብ፤ ኣፈፃፅምኡ ይከታተል፣
 ናይ ሓደሽቲ ህንፀትን ፅገናን ህንፃታት ናይ ግዜያውን መወዳእታን ርኽክብ ሕቶ የረጋግፅ፣
 ኣፈፃፅማ ፕሮጅክትታት ይከታተል፣
 ምስ ሕጊ ዝተኣሳሰሩ ጉዳያት ይከታተል፣
 ብመዳርግቲ ዝቐርቡ ይግባኣኒ ሕቶ መርሚሩ መፍትሒ ይህብ፡፡