ዳይሬክቶሬት ዝተዋደደ መሰረተ ልምዓት ከተማታት

ዳይሬክቶሬት ዝተዋደደ መሰረተ ልምዓት ከተማታት
ተግባርን ሓላፍነትን ዳይሬክቶሬት ዝተዋደደ መሰረተ ልምዓት
 ኣብ ምድላውን ምምሕያሽን (ኣዋጅን ደንብን፣ ኣወዳድባ፣ ፖሊስን ስትራተጅን፣ መምረሕን ማንዋላትን) ቤት ዕዮ ይድግፍ፣
 ኣብ ዝተዋደደ መሰረተ ልምዓት ኣመልኪቱ ዝወፅእ መፈፀሚ መምርሕን መዐቀንን የተግብር፣
 ኣብ ከተማታት ንዝህነፁን ንዝፅገኑን ዝተዋደደ መሰረተ ልምዓት ብመሰረት ዝተዳለወሎም ዲዛይንን ስፔስፊኬሽንን ዝህነፁ ምህላዎም ይቖፃፀር፣
 ብገበርቲ ሰናይን ብተሳትፎ ሕ/ሰብን ኣብ ዝስረሑ ዝተዋደደ መሰረተ ልምዓታት ሓገዝ ቴክኒክ ድጋፍ ይህብ፣
 ኣብ ስራሕቲ ዝተዋደደ መሰረተ ልምዓት ከተማታትን ክ/ከተማታትን ይድግፍ፣
 ኣብ ፅንዓትን ዕደጋን ኮንስትራክሽን ማትርያል ይድግፍ፣
 ኣፈፃፅማ ስራሕቲ ዳይሬክቶሬትን ከ/ስራሕቲ ከተማታትን ይከታተል ይግምገም፣
 ካብ ከተማታትን ጉጅለታትን ዝቐርብ ፀብፃብ ኣፈፃፅማ ስራሕ ወይ ሪፖርት ይቕበል፣ይግምግም ናብ ዝምልከቶ ድማ ጠሚሩ የቕርብ፣
 ካብ ተገልገልቲ፣ ማሓውር፣ መዳርግቲ ኣካላትን ጉጅለታትን ዝቕርብ ሕቶ ይቕበል ግቡእ ምላሽ ድማ ይህብ፣
 በቢእዋኑ ዝርከቡ ምህዞታት፣ ተሞክሮታትን ልምድታትን የጋፍሕ፣
 ኣብ ዳይሬክቶሬትን ከይዲ ስራሕትን ዝረኣዩ ጉድለታት ዓቕሚ ብምፍታሽ ስልጠና ክረኽቡ ይገብር፣
 ኣብ ስራሕቲ ዝተዋደደ መሰረተ ልምዓት ከተማታት መፅናዕቲ፣ ዲዛይን፣ ዕደጋን ውዕልን ይድግፍ፣ ይቖፃፀርን ይግምግምን፡፡